. . . : : :   W     E     L     L     C     O     M     E          T     O          R     A     I     M     O     Q   : : : . . .

 

:::..  Our Beauty is our Diversity & Unity!  ..:::

 

 
   

 

:::... |Home||News||V-Music||Photos||Video||Eri TV-Live||EriTV-V2||EriTV-Movies||Links||Contact| ...:::

E r i t r e a   N e v e r   K n e e l s   D o w n !

 
 

ዕውት ህዝባዊ መኸተ ኣብ ሽቱትጋርት

Picture of Hezbawi Mekete Stuttgart

Report in PDF Tigrigna English

ሎሚ ዕለት 16.01.2010 ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት ነቲ ብስም ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ እገዳ ሕ.መ.ኣ ንምዝታይ፡ ኣብ ትሕቲ „2010 ዓመተ ጽንዓት ልምዓትን፡ ዓመተ መኸተን ዓወትን፡ ምዕባይ ግዳማዊ ተጻቦኦታት ምልክት ገስጋስን ዕብየትናን“ ዝብሉ ጭርሖታት ዓቢ ህዝባዊ መኸተ ተኽይዱ።

ኣብዚ ልዕሊ 500 ኤርትራውያን ዝተኻፈልዎ ናይ መኽተ-ሰሚናር፡ ክቡር ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይ ተረኺቡ ብዛዕባ ኩነታት ሃገርናን  እዋናዊ ብዶሆታትን  ሰፊሕ መብርሂ  ድሕሪ ምሃብ፡ በዚ ዘሕንኽን ዘይፍትሓውን ማዕቀብ መእዝና ከየጥፋእና፡ ከምቲ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቓልሲ ዝሰራሕናዮ ቕያ፡ ሕጂ‘ውን ብዝለዓለ ውዳበን ተዋፈይነትን፡ ኣብ ጎኒ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኮይና ክንሰርሕ ተላብዩ።

ቀጺሉ፤ ሓላፊ ህዝባዊ ጉዳያት ኣቶ ብርሃነ ዘርኤ፡ „18 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ጽላል ናጽነት“ ኣብ ዝብል ቴማ፤ ፍሉይነት ኤርትራ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቓልስን ከም ልዕላዊት ሃገርን፡ ኣብ ባይታ ዝተኻየደ ብመንጽር ራእይና ዝትንትን ወረቐት ኣቅሪቡ።

ኣብ ትሕቲ „ጭውያ ፍትሒ“ ዝብል መደረ እቲ ኣንጻር ኤርትራ ዝተወስደ ዝኾነ ይኹን ጭብጥን መርትዖን ዘይብሉን ዝተፈብረኸ ዘይሕጋውን ቔናን ብይንዩ ዝበለ ኣባል ሽማግለ መኸተ ዶ/ር ኣማኑኤል ትኩእ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሓዲሽ ከም ዘይኮነን ብእኡ ከም ዘይሰናበድን ኣብሪሁ።

ኣብ መወዳእታ፤ ኤርትራ ብመትከል ርእሰ-ሙርኮሳ ኣብ ልምዓታዊ መደባት ተርእዮ ዘላ ኣደናቒ ገስጋስ: ንኻልኦት ሃገራት ኣብነት ኮይኑ ንገባትን ዓንዳርን ረብሓታቶም ስግእት ከይፈጥር ምእንቲ: ኣመሪካን ካልኣትን፡ ተጻቦኦታቶምን ሽርሒታቶምን ከቓርጽዎ ትጽቢት ዝግበረሉ ስለዘይኮነ: ንሕና ኸኣ ከም ህዝቢ ኣብ ሓንቲ ሰንደቕዕላማ ተኣኪብና፡ ንሃገራዊ ክብርናን ልዕላውነትናን፡ ምዕዋት መደባት ህንጸት ሃገርን ብዝተዓጻጸፈ እንተደኣ ሰሪሕና ብዓወት ከምንወጽእ ክብል ብርእሰ-ተኣማንነት ገሊጹ።

ኣብ ዝስዓበ ዘተ ተሳተፍቲ መኸተ ብወገኖም፤ „መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ቕድሚ ፍርቒ ዘመን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ታሪኻዊ በደል፡ እንደገና ምድጋሙ ኣዝዩ ዘሕንኽን ዘሕዝንንዩ“ ድሕሪ ምባል፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ታሪኽ ሓርነታዊ ቃልሱ ከምዝምስክሮ፡ እዚ ዓመጽ‘ዚ ዝያዳ ሓድነቱ ዝድርዕን ሃገራውነቱ ዝኹልዕን ምዃኑ ኣነጺሮም።

ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሃገራዊ ክብሩን ልዕላውነቱን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእተወ: ብሓርኮትኮቱን ኣብ ገዛእ ዓቕሙ ተሞርኪሱ፡ ብነጻ ፖለቲካዊ ሕርያ፡ ኣብ ኤርትራ ማሕበራዊ ፍትሒ ብማዕረ ክነግስን፡ ኣብ ዞባና ድማ ርግኣትን ሰላምን ክሰፍን፡ ዘካይዶ ዘሎ ዘኹርዕ ጻዕርታት ብምሙጓስ፡ ኣብ ጎኒ መንግስትን ህዝብን ኤርትራን፡ ምክልኻል ሓይልታቱን ከምዘሎን፡ መድረኽ ዝጠለቦ፡ ካብኡ ዝሕተት ዘበለ ከማልእ ድሉው ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

ተሳተፍቲ መኸተ፡ ነቲ ሃገራዊ መንፍስ ዝዓሰሎን ድልውነት ዘረጋገጸን ዘተ ዘንጸባርቕ፡ ነዚ ስዒቡ ዘሎ ሓባራዊ ውሳኔታት ብምሕላፍ ኣኼብኦም ብዓወት ዛዚሞም።

 

ውሳኔታት ህዝባዊ መኸተ

  1.  እቲ ብስም ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተወሰነ ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን  እገዳ ዝጠልብ ብይን: 1907/2009: ሕቡራት ሃገራት ብጥብቒ እንዳኾነና: ክስረዝን ኽለዓልን ንጠልብ።
     

  2. ነዚ ቐጻሊ ውዲታትን ሽርሕን በዲሁ፡ ብመንፈስን ሕድርን ሰማእታትና እናዳተመርሐ ልዕላውነትን ክብርን ሃገሩ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእተወ፤ ጎይታ ፖለቲካዊ ሕርያ ብምዃን: ብጽፍሩ መስተንክራዊ ልምዓታዊ መደባትን ህንጸት ሃገር ዘሰላስል ዘሎ: ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ነሞጉስ። ነዚ፡ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ፡ ዝጻባእን ዝዕንቅፍን ብትሪ እንዳኾነና: ከም ወትሩ መኪትና ከነፍሽሎን ከነበርዕኖን ማሕላና ነሔድስ።
     

  3. ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም፡ ብቐንዱ ድማ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ጸገማት፡ ሳዕቤናት ፍሹል፡ ገባትን ዓማጺን ፖሊሲታት ኣመሪካ ከምዝኾነ ብምግምጋም፤ ኣብ ዞባና ነባሪ ሰላምን ርግኣትን ክስፈን መንግስቲ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕርታት ነሞግስ።
     

  4. ባይቶ ጸጥታ ሕ.ሃ. ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ክነግስ ዝደልን፡ ሕግታቱ ዘኽብርን እንተድኣ ኮይኑ፡ ቅድሚ ዝኣገረ ከዳሚት ኢትዮጵያ ኣብ ቅድሚ ኣውሓስትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ዝፈረመቶ ውዕል ኣልጀርስ፤ ቀያድን ናይ መወዳእታን ዝኾነ ስምምዕ ኮሚሽን ደብ ኤርትራን ኢትየጵያን ክትቕበልን ከተኽብሮን፡ ድርብ መለኪዓታቱ ገዲፉ፡  ከስገድዳ  ሓላፍነቱ ከልዕል ንጠልብ።
     

  5. ከዳሚት ኢትዮጵያ ልዑላውነት መሬት ሶማል ግሂሳ ቅሉዕ ወራር ብምክያድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሶማል ማእለያ ዘይብሉ ህልቂትን ሕንፍሽፍሽን ምብትታንን ዕንወትን ምዝንባል ህዝብን ብምውራዳ ብዝፈጸመቶ ገበን ኣብ ቅድሚ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ክትቀርብን ክትቅጻዕን ንማሕበረሰብ ዓለም ንጽውዕ።
     

  6. ሃገርና ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዝተፈላልየ ኩርናዓት ንልኡላውነታ ዝፈታትን ተጻብኦታት የጓንፋ ኣሎ። ባዕዳዊ ተጻብኦ ኣብ ኤርትራ ናይ ነዊሕ ዘመናት ታሪኽ ዘለዎ ኢዩ። በንጻሩ ኸኣ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ንኽባቢናን ንዓለምን ዘመስከረ መኸተ፡ መኸተ ጽንዓትን ዓወትን ኢዩ። እዚ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት፡ ዓቢ መስዋእቲ ከፊሉ ህላዌኡ ዘረጋገጸ ህዝቢ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ክምብርከኽ ዘይሕሰብ ኢዩ። ሕጂ’ውን ከም ወትሩ ኩልና ሃገራዊያን ኤርትራዊን ዘይቅህም ሃልሃልታ መኸተ ኣበጊስና፡ ካባና ዝሕተት ዘበለ ሞራላውን ንዋታውን ሓገዛት ክነማልእ ቁርባት ከምዘለና ቃል ንኣቱ።
     

  7. ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝብናን ደላይ ሰላምን ፍትሕን ዝኾነ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን፡ ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራን፡ ኣንጻር‘ዚ ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን ውሳኔ ዘስምዕዎ ዘለዉ ተቓውሞ ድምጺ እንዳሞጉስና ብዝለዓለ ክድፍኣሉ ነዘኻኽር።

መጉስ ንመኽተ ህዝቢ ኤርትራ!

ኩርዓት ንሓይልታት ምክልኻል!

ዓወት ንሓፋሽ!

 

 

 

 

© www.raimoq.com   Contact: info@raimoq.com  | © Designed by:  qama  design