ብዕለት
17.01.2010 ኣስታት 800 ካብ ፍራንክፉርትን ከባቢኣን ዝመጽኡ ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ዕዉት ህዝባዊ መኸተ
ተኻይዱ። በቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተኣወጀ ብይን ባይቶ ጸጥታ 1907/2009 ዝሓነነ ህዝቢ ፍራንክፉርትን ከባቢኡን
ነቲ ዘይፍትሓውን ዝሕንኽን ውሳኔ ብትሪ ንምኹናን። ኣብ ትሕቲ “2010 ዓመተ ጽንዓትን ልምዓትን፡ ዓመተ መኸተን
ዓወትን“ ዝብል ቴማ ተጋቢኡ ዊዒሉ።
ኣብዚ ካበየ በትኡ ቁርን በረድን ክምህ ከይበሎ ዝተኣኻኸበ ህዝቢ፡ ብውዕዉዕ መንፈስ ዝተኻየደ ህዝባዊ መኸተ፡
ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ጰጥሮስ ጸጋይ ተረኺቡ ንእዋናዊ ኩነታት ሃገርና መብርሂ ሂቡ። ኣብ መግለጺኡ እዚ
መዕቅብ’ዚ ፍሉይነቱ እዉጅ ዝገበርዎ ምዃኑ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ልዕለና ንዝሓለፉ ዓሰርተ ክልተ ዓመታት ዘይእዉጅ
ማዕቀብ ክካየድ ምጽንሑ ኣረዲኡ። ቀጺሉ ሕጂ’ውን ከም ቀደምና ብዝለዓለ ወንን ተወፋይነትን ኣብ ጎኒ ህዝብን
መንግስትን ደው ብምባል ክንምክት ጸዊዑ።
ቀጺሉ ዝቐረበ ጽሑፍ፡ 18 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ጽላል ናጽነት ዝብል ኣርእስቲ፡ ብኣቶ ሙሴ ኣብርሃ ቀሪቡ። ኣብ
መግለጺኡ ፍሉይነት ኤርትራ ቅድምን ድሕርን ናጽነት ብሰፊሑ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ 1991 ኣሃዱ ኢልና ዝጀመርናዮ
መድረኽ ህንጸት ሃገር ብመንጽር ራእይና ከመይ ይሰላሰል ከም ዘሎ በቢ ጽላቱ ድሕሪ ምዝርዛር፡ ጉዕዞና ኣማን ብኣማን
ሰማእታትና ዝሃቡና ሕድሪ የተግብር ምህላዉ ኣረዲኡ።
ቀጺሉ „ጽንዓትን መኸተን ኤርትራውያን“ ብዝብል ኣርእስቲ፡ ብዶ/ር ተስፋይ ዓብለሎም መግለጺ ቀሪቡ። ዶ/ር ተስፋይ፡
ንድሕሪት ተመሊሱ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝወረዳ ኣደራዕን ንዕኡ ንምብዳህ ዝካየደቶ ዘይሕለን መኸተን
ብዝርዝር ድሕሪ ምግላጽ፡ ማዕቀብ በየናይ መርትዖ? ነየናይ ሕቡእ ኣጀንዳ? እንታይ’ከ ኣቢስና? ዝብሉ ሕቶታት
ብምልዓል ንጹር መልሲ ሂቡሎም።
ኣብ መወዳእታ ዕላማ ማዕቀብ፡ ነቲ ዘይጻዓድ ኤርትራዊ ንምምብርካኽን ሓድነቱ ንምብትታንን ምዃኑ ተረዲእና፡ ኣብ ጎኒ
መንስትን ህዝብን ደው ክንብልን ኩሉ ትሕቲ ሃገራውነት ያዕ ኢልና ሓድነትና ክነትርርን ምዒዱ።
መድረኽ ንሓፋሽ ምስ ተባህለ፡ ተሳተፍቲ ርእይቶኦም ለበዎኦም ኮታ መኸተኦም ንምስማዕ ኣእዳው ብሓባር ሓፍ በላ፡
መራሒት መደብ ንመን ዕድል ከም እትህብ ጠፍኣ፡ ኣሰሰይቲ መክሮፎን ላዕልን ታሕትን በሉ። እተን ቀዳመይቲ ዕድል
ዝተዋህባ ኣደ ዝሃብኦ ርእይቶን ለበዋን ከኣ ልቢ ኩሉ ተሳታፋይ ዝተንከፈ ብምንባሩ ብጣቒዒት ኣሰነዮ። ቀጺሎም
ዝቐረቡ ርእይቶታት ብሓደ ወገን ንመኸተ ዘሐይሉ፡ ንሓድነትና ዘትርሩ፡ ንመንግስትን ህዝብል ኤርትራ ኣብ ጎኑ ምህላዉ
ዘረጋግጹ ኮይኖም፡ በቲ ካልእ ከኣ፡ ንእገዳ ዝኹንኑ፡ ንተጻባእትን ከዳዓትን ሓሕ ዝብሉን፡ ብልዑል ሃገራዊ ወኒ
ዝቐረቡ ኢዮም ነይሮም።
ማዕረ ማዕረ’ዚ ንመኸተ ህዝቢ፡ ከም ጨው ኣብ መግቢ መቐረት ዝህብዎ ዝነበሩ፡ ብልዑል ጥበብ ዝተነድቁ ንህልው
ኩነታትና ስጋን ደምን ኣልቢሶም ዘቕረቡ ገጠምትና ኢዮም። ካብዚ ብዘፍለ ህቡባት ድምጻውያንን ሙዚቀኛታትን’ውን
ንመኸተና ኣዕሪጎሞ ኢዮም።
ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ህዝባዊ መኸተ ነዞም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘለዉ ውሳኔታት ብምሕላፍ ኣኼብኦም ዛዚሞም።
ዓወት ንሓፋሽ
ኣሰናዳኢት መደብ ህዝባዊ መኸተ
ውሳኔታት ህዝባዊ መኸተ ከተማ ፍራንክፈርትን ከባቢኡን
ብዕለት 17.01.2010 ካብ ከተማታት፡ ፍራንክፉርት ዳርምሽታት፡ ወረዳ ኦፈንባኽ፡ ወረዳ ቨተራው፡ ፉልዳ፡
ጊስን፡ ቪስባደን፡ ማይንስ፡ ሊምቡርግን ሄፐንሃይም ዝመጻእና ኤርትራውያን ዝተሳተሳፍናዮ ውዕዉዕ ህዝባዊ መኸተ ድሕሪ
ምክያድና፡ እዞም ዝስዕቡ ናይ ሓባር ውሳኔታትን ለበዋታትን ንሕልፍ።
1. ባይቶ ጸጥታ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ኤርትራ ዘሕለፎ ጭብጢ ኣልቦን ዘሕንኽን ውሳኔ ቁጽሪ 1907/2009 ብትሪ
ንኹንኖ ጥራይ ዘይኮነ ዳግም ተኽሊሱ እቲ እገዳ ክስሓብ ንጽውዕ!
2. እዚ ብኣመሪካን ከደምታን ዝተጠጀኤ ግጉይን ሓደገኛን ውሳኔ፡ ኩለን ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን መሓዙት ኤርትራን
ዝኾና ማሕበረሰብ ዓለምን ሃገራትን ብትሪ ክኹንኖኦ ንጽውዕ!
3. መንግስትና ዝኽተሎ ዘሎ ዓቃልን፡ ውሕሉልን ዲፕሎማስያዊ ኣተሓሕዛ እናደገፍና፡ ሽርሒ ምምሕዳር ኣሜሪካን ሰብ
ፍሉይ ረብሓን ንኹንን!
4. ማሕበረሰብ ዓለም፡ ካብ መሳርሒ ሰብ ፍሉይ ረብሓ ምዃን ተቖጢቡ ንዝቖመሉ ዕላማታት ደው ክብል ንጽውዕ!
5. ንልዑላውነት ሃገርና ንምውሓስ፡ ብመንግስትና ዝውሰዱ ዘሎዉ ፡ ግብራዊ ስጉምትታት ምሉእ ደገፍና ነረጋግጽ!
6. ብመንገዲ ወፍሪ ዋርሳይ ይክኣሎ ፡ ዝሰላሰል ዘሎ ቁጠባዊ ዕብየት ፡ ሃገርና ንኹሉ መሰናኽላት ሰጊራ ነብሳ
ክኢላ ትስውደሉ ዘላ ፡ ኣገባብ ሃገራዊ ወፍሪ፡ ንቁጠባዊ ሓርነት ነሞግስ!
7. መኸተና ብግብሪ ንምርግጋጹ፡ ህዝባዊ ሰለማዊ ሰልፊ ክንውድብን ንመንግስትን ህዝብን ኤርትራ ንዋታውን ቁጠባውን
ሓገዛት ክንገብር ወሲንና።
8. ፍትሒ ካብ ጽንዓትን መኸተን ጥራይ ከምትውሓስ ብምግንዛብ፡ ንፍትሕን ሰላምን ዝካየድ ጻዕሪ ምጽማም ዝሓትትን
ግዜ ዝወስድን ምዃኑ ብምግምጋም፡
ክብረትን ሓበንን፡ ካብ ጻዕርን መስዋእትነትን፡ ዝመንጩ ምዃኑ ብምርዳእ፡ እዋኑ እዋን መኸተን፡ ምክልኻል
ልዑላውነትን ዝጠልብ ስለዝኾነ፡ ሎሚ'ውን ከምቀደም፡ ሓድነትና ኣስጢምና፡ ምኣዝንና ኣመዓራሪና፡ ፍትሓዊ ምረሻና
ንምዕዋት፡ ሃገርና እትጠልቦ ዘበለ ኩሉ ከነበርክትን፡ ጸኒዕና ከነጽንዕን፡ ብዘይ ቅድመኩነት ምስ ህዝብናን
መንግስትናን ደው ክንብልን ብናይሎሚ ኣጋጣሚ እንገብሮ መኸተና ነረጋግጽ!
ጉዕዞና ከምቀደም፡ መንገዲ ሓቂ ስለዝኾነ፡ ዓወትና ናይ ግድን እዩ፡ ውድቀት ንከደምትን ተንበርከኽትን !
ዓወት ንወፍሪ ዋርሳይ ይክኣሎ !
ሓድነትና ንዘልአለም ይንበር !
ክብርን መጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና !
ዓወት ንሓፋሽ !
ፍራንክፈርት ፡ 17.01.10