. . . : : :   W     E     L     L     C     O     M     E          T     O          R     A     I     M     O     Q   : : : . . .

 

:::..  Our Beauty is our Diversity & Unity!  ..:::

 

 
   

 

:::... |Home||News||V-Music||Photos||Video||Eri TV-Live||EriTV-V2||EriTV-Movies||Links||Contact| ...:::

 

 

ኣምባሳደር ዒሳ ኣሕመድ ዒሳ ንኣብ ፖርትሱዳን ዝነበር ህዝቢ ሰሚናር ኣካይዱ::

By: Yared Tesfai

 











ዕለት 14/05/10 ኣምባሳደር ዒሳ ኣሕመድ ዒሳ ንኣብ ፖርትሱዳን ዝነበር ህዝቢ ሰሚናር ኣካይዱ፣
ኣብቲ ሰሚናር ብዛዕባ ህሉው ውሽጣውን ግዳማውን ኩነታትን፣ ጉዳይ እገዳ በጺሕዎ ዘሎ ምዕባሌን ህዝቢ ንምምካቱ ከካይዶ ዘለዎ ንጥፈትን ብሰፊሑ ገሊጹ።
ኣብ ውሽቲ ሃገር ክካየድ ዝጸንሐ ልምዓታዊ ስርሓትን ውጽኢቱን ዝረበጾም ወያኔን ኣያታቶምን ነዚ ሞባሌ’ዚ ንምኽላፍ ነቲ ምኽኑይ ዘይኮነን ዘይሕጋውን እገዳ ከም ዘበገሱን ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ከሰን ዝገበሩን፣ መንግስቲን ህ.ግ.ደ.ፍ. ህዝብን ኸኣ በዚ ከይተሰናበዱ ግስጋሴ ልምዓቶም ብምቅጻል ንመደባት ጸላእትና ይፍሽሉ ኣለዉ ክብል ኣስሚርሉ።

ተወሳኺ ሃሱሳንትን ካብ ጎይቶቶም ወያኔ ብዝተቀበልዎ መምርሒ ሓድነት ህዝቢ ንምብትታን ዝገብርዎ ዘለዎ ፈተነ ምስ ከውሒ ንቅሓት ህዝቢ ብምግጫው ይምከት እኳ እንተሃለወ በዚ ዝምዝገብ ዘሎ ዓወታት ከይተዛነና ጨሪስና ንምስዓሮም ኣበሪዕና ክንሰርሕ ከም ዝግበኣና ኣብሪሁ፣

ኣብዝሓለፈ ሹዱሽተ ወርሒ ብዝተኻየደ ጽዑቅ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ህዝባውን ዜናውን ስራሓት ንመደባት ጸላእትና ክንምክትን ከነፍሽልን ኪኢልና ከም ዘለና ኣብሪሁ፣ ኣወዳድባናን ኣካየዳናን ብምጽፋፍ ዝያዳ ክንገብር ከምንኽእን ከም ከምዝኣምንን ውዳቤና ንምጥንኻርን ንዝጽበየና ዘሎ ዕማም ንምትግባር ነታ ዝጸንሐት ናይ መኸተ ሽማግለ ምስዚ መድረኽ ዝተጠልቦ ተልእኾ ብዝሰማማዕ መንገዲ ከትቀውም ምግባር ስለ ዘድለየ፣ 53 ኣባላት ማእከላይ ባይቶን ትሽዓተ ፈጻሚት ሽማግለ ዝርከብዋ ናይ መኸተ ሽማግለ ብምቋም ሰሚናር ዛዚማ፣

ኣምባሳደር ዘረብኡ ምስ ዓጸወ ካብ ህዝቢ ዝቀረበ ርእይቶ፣ ህዝቢ ፖርትሱዳን ከም ወትሩ ምስ መሪሕ ውድቡን መንግስቱን ከም ዘሎን ኩሉ ካብኡ ዝጥለብ ከማልእ ድሉው ምዃኑ ብትሪ ገሊጹ፣ ህዝቢ ኤርትራ ትኳቦ ካብ ደገ ዘይጽበ ናጽነቱ ብቅልጽሙ ዘምጽኤ ስለ ዝኾነ ሕጂ’ውን ኣብ ውሽጣዊ ዓቅምና ብምምርኳስ ሃገርና ክንሃንጽ ድልዋት ኢና ይብል፣ በቲ መርሕነትና ሒዝዎ ዘሎ ቅኑዕ መስመር ኣኻይዳን ዕጉባት ስለ ዝኾነ ክሳብ መጭረሽታ ምስ መንግስትና ኢና ኢሎም፣
ነቲ ብእምባሳደር ዝቀረበ ሞዛዝ ተራ ማህበራት ብምድጋፍ ማህበር ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያት ኣብ ሓጺር ግዜ ጉባኤኦም ከካይዱ ተሰማሚዖም።

በዓል ናጽነት ንኹሉ ትምልከት ኣብ ሓደ መዓልቲ ብሓበር ክትውዕል ብምውሳን ኣብ ምሉእ ሱዳን ህዝቢ ኣብ ሃደ ጎልጎል ብሓባር ከብዕላ ተወሲኑ ዘሎ ብምትግባር ዕለት 22/05 ከብዕልዋ ወሲኖም ኣለዉ።











 

 

 

 

© www.raimoq.com   Contact: info@raimoq.com  | © Designed by:  qama  design