. . . : : :   W     E     L     L     C     O     M     E          T     O          R     A     I     M     O     Q   : : : . . .

 

:::..  Our Beauty is our Diversity & Unity!  ..:::

 

 
   

 

:::... |Home||News||V-Music||Photos||Video||Eri TV-Live||EriTV-V2||EriTV-Movies||Links||Contact| ...:::

 

ዕዉት ህዝባዊ መኽተ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት

By Yareed Tesfay

ብዕለት 15.05.2010 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ዕዉት ህዝባዊ መኸተ ተኻይዱ ፡እዚ ህዝባዊ መኸተ’ዚ መቐጸልታ ናይ’ቲ ብዕለት 22.02.2010 ኣንጻር’ቲ ኣብል ዕሌናዝተበየነ መርትዖን ጭብጥን ዘይብሉ ብምምሕዳር ኣሜሪካ ዝተስገደደን ከይጀመረዝፈሸለን ዘሕንኽ እገዳ ህዝባዊ መኸተ ኮይኑ፡ ኣብትሕቲ ``እምቢ ንእገዳ`` ዝብል ጭርሖ ኤርትራውያን ነባሮ ፍራንክፈርትን ከባቢኡን ብዝተጠቕሰ ዕለትን ቦታን ዕዉት ህዝባዊ መኸተ ኣኻይዱ ፡፡

ኣብዚ ዝተኻየደ ህዝባዊ መኸተ ፡ ክቡር ኣማባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይ ተረኺቡ ንእዋናዊ ኣብ ሃገረና ዝሰላሰሉ ዘለዉ ፡ ፖለቲካዊ ፡ ቁጠባዊን ከምኡውን ዲፐሎማስያውን ዝምልከት ንጥፈታት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ ፡ ከምኡ’ውን ፡ ናይ ዝተሳዕሩን ዝፈሸሉን እዋናዊ መሳርሒ ኮይኑ ዘሎ ናይ ዓለምና መርበብ ሓበሬታ ንሒዝናዮ ዘለና መንገዲ ምዕባለ ምኣዝንና ንምጥምዛዝ ዘዋደድዎ ፍሹል ዘመተ፡ ከይተሻቐልና ንሒዝናዮ ዘለና ጐደና ምዕባለ ብዓጸፋ ከነዛይደሉ ተማሕጺኑ ፡ ንዝቐረበሉ ሕቶ ካብ ህዝቢ’ውን ምብርሂ
ሂቡን ፡፡

ከምኡውን ኣቶ ብርሃነ ዘርአ ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣብ ጀርመን ፡ መኸተናን ብድሆታቱን ዝብል ኣርእስቲ ፡ ንህዝቢ ምስናይ ትንታኔኡ ትምህርቲ ሂቡን ህዝቢ ሓድነቱ ኣትሪሩ ንዝባዊ መኸተ ቀዳምነት ስሪዑ ክሰርሓሉ ተላብዩ ፡፡

ብኣቶ መድሃኔ ተስፋኣለም ዝተዳለወ ``ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጽላል ዓንደ ሕጊ ዝተማሕደረ ስልጡን ባህሊ ዝውንን ዕዉት ህዝቢ `` ጽሑፍ ንተሳታፋይ ቀሪቡ ፡፡

ተሳታፋይ ህዝባዊ መኸተ መራአያ ተቛውሞኡ ፡ ንፕረዝደንት ሃገረ ኣሜሪካ ባራክ ኦባማ ዝስደድ፡ ` እምቢ ንእገዳ `` ዝብል ደብዳቤታት `` ኣዳልዩን ከዳሉ ውዒሉን ፡፡

ኣብ ምዝዛም ናይ ሓባር ውሳነ ዘሕለፎም ፡

1. ክሳብ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ተወሲኑ ዘሎ ዘሕንኽ እገዳ ጨሪሹ ዝሕከኽ ፡ መኸትኡ ብዝሓየለ ክቕጽሎ ምዃኑ ዳግም ድልውነቱ ኣረጋጊጹ ፡

2. መርኣያ ናይ `` እምቢ ንእገዳ`` ንቁጠባዊ ኣበርክቶኡ ዘዕዝዝ ፡ ናይ ሓባር ክፍሊት ኣብቲ ዝውዓለ ህዝባዊ መኸትኡ ወሲኑ ፡

3. ብፍሉያት ሰብ ረብሓን ከደምቶምን ተመዊሉ ፡ ንሓድነትናን ጒዕዞ ምዕባሌናን ንምዝራግ ፡ ዝእለምን ዝጥጃእን እከይ ፍሕሶታት ፡ ከም ቅድሙ በቲ ሓያል ህዝባዊ ቃልሱ ዳግም ተሳዒሩ ንክቕበር ፡ ቃልሱ ከበራትዕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ፡

4. ኣብቲ ንፍራንከፈርትን ከባቢኡን ብኹሉ ሸነኻቱ ንህዝባዊ መኸተ ንምሕያል ዝካየድ ዘሎ ቃልስታት ዝያዳ ንክሕይል ጸዊዑ ፡

5. ወትሩ ኣብጐድኒ ህዝቡን መንግስቱን ምኻኑ ቃሉ ኣሓዲሱ ፡ ብናይ ሓባር ጭርሖ `` ብስራሕ ንምክት ንግስግስ `` ብምባል መኸትኡ ዛዚሙ ፡ ሽ/ማ መኸተ ፍራንክፈርተርን ከባቢኡን ፡

ዓወት ንሓፋሽ !

ዕለት 15.05.2010 ዕዉት ህዝባዊ መኸተ ህዝቢ ፍራንክፈርትን ከባቢኡን ፡ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት
ሽ/ማ መኸተ ፍራንክፈርትን ከባቢኡን ፡

Eritrean Nationals In Frankfurt Reiterate Readiness To Reinforce Resolute Rebuff

Asmara, 20 May 2010 - In a meeting they held, Eritrean nationals living in Frankfurt city and its environs reiterated readiness to reinforce resolute rebuff. The Eritrean Ambassador to Germany, Mr. Petros Tsegai, gave extensive briefings to the participants regarding the on-going development programs in the Homeland. He stressed the need to step up such efforts.

Also in the meeting, extensive lectures highlighting the on-going development activities on the part EDF members and the Government were presented. Mr. Berhane Zera, head of Community and Consular Affairs in Germany, gave a lecture under the title “Challenges and Resolute Rebuff” in which called on Eritrean nationals to strengthen their unity and the resolute rebuff.

The participants of the meeting voiced determination to live up to the nation’s expectations through standing alongside their people and government, and agreed to redouble their contribution to national programs.
 

 

 

 

 

© www.raimoq.com   Contact: info@raimoq.com  | © Designed by:  qama  design