|
LIBERTY
አረ እንታይ'ዩ አበሳና --- እንታይ'ዩ 'ቲ በደልና
ርእስና ከነቕንዕ --- ትኽ ክንብል እንተበልና
ነብስና ኽንክእል ---- ሓርኮትኮት እንተመረጽና
ጾር ከይንኾኖም ----- ሓይልና እንተዋደድና
ካን ባህ ምባል አብዩዎም --- ምፍሓርና ምኹዓትና
ነብሰይ ክኽእል ምባል --- ሓጥያት ኮይኑ ገበን
ዘቕጽዕ ዘምበርክኽ ---- ክብረትካ ዘድንን
ዘሕፍር ዘሕንኽ ----- ሰብነትካ ዝፈታተን
አምሰሉ መጋበእያ --- ተኺሎም አቃኒዖም
ብሓሶት ጠምጢሞም --- ብሸርሒ ቀሚሞም
ጸሊም አጻዕድዮም ---- ጻዕዳ አጸሊሞም
ከግብእ ከውሕስ ----- ዘይብሉ ሸፋፊኖም
አእጋርና ክምቁሑ ---- አእዳውና ክአስሩ
ትንፋስና ከሕጽሩ ---- መንገብገብና ክሰባብሩ
መንኮርኮር ምዕባለና --- ክሕንኩሉ ክሓናኽሩ
ዶብ ስኢኑ ትዕቢቶም --- ምስ ፈጣሪ ክወዳደሩ
ዶብ ስኢኑ ትዕቢቶም --- ምስ ፈጣሪ ክወዳደሩ
አቱም ሰባት ---- ሓደ ዶ አይኮንን ምስልና
ብአርአያ ስላሴ ---- ማዕረ 'ተፈጠርና
ነብሶም ነአኢዶም --- ደቅ ዓይኒ ምዓር ዝኾኑልና
ባህ ክብሎም ---- ከልዕሉ ክሰቕሉና
ባህ ከይብሎም ---- ከውድቑ ክረግጹና
እዛ ዓለም ---- ማዕረ ከምዘይትብጽሓና
ወረ መን'ዩ ---- እቲ ካባ ግርማ ዘልበሶም
ቆጽሊ አውዲቑ ---- በትረ ስልጣን ዘጨበጦም
ባይቶ አኻኺቡ ----- ዳኑዩና ዝበሎም
አይክአልናን ሃየ --- ኢሉ ዝሰመዮም
ባዕላቶም አርቀቕቲ -- ባዕላቶምሓገግቲ
ባዕላቶም ከሰስቲ --- ባዕላቶም ፈረድቲ
ባዕላቶም አሰርቲ --- ባዕላቶም ሰቐልቲ
እሞ'ዚ ኹሉ ጉድ -- አብ መሬት አብ ርስቲ
እሞ'ዚ ኹሉ ጉድ -- አብ መሬት አብ ርስቲ
የግዳስ ከነዘኻክሮም -- ዝረስዕዎ እንተለዎም
ማዕቀብ ይበልዎ --- እገዳ ደስ ከምዝበሎም
ዝጸንሐ 'ዩ ካብ ጥንቲ --- ውርሻ አቦሓጎታቶም
ሓድሽ እኳ አየብሉ -- እንተርፊ ባርክ ኦባማታቶም
ሓድሽ እኳ አይብሉ -- እንተርፊ ባርክ ኦባማታቶም
የዋእኪ አፍሪቃ -- ሓንቲ ዓይኒ ረኺብኪ
አብ መውአለ መውአላት -- ለዋህ ጓሳ ረኺብኪ
ኤርትራ ዝብልዋ --- መድሃኒት ወሊድኪ
ካብ ሕሰም መከራ -- ካብ ቅትለት ከተናግፈኪ
እንተኾነ 'ቶም ስሱዓት --- ዝለመዱ ማአድኺ ከምአዶም
ድልዋት አይኮኑን ቁሩባት --- ክእክቡ የእዳዎም
እንሆ ውላድኪ ሓርዮም --- አምቢሮሞ አብ ዝፋኖም
ኩሉ 'ቲ ስራሕ ሰይጣን --- ክፍጽም ኮይኑ አብ ክንድኦም
ኩሉ 'ቲ ስራሕ ሰይጣን --- ክፍጽም ኮይኑ አብ ክንድኦም
ሄ..ሄ.. ካብ ጸባታት ዘይተረኽበስ -- ካብ ማይ ጨባታት
ካብ ፎስተረ ዳላሳት ዘይተረኽበስ -- ካብ ባርክ ኦባማታት
እቲ ጸይቆም እቲ እከዮም --- ከም ቀደሙ አብ ቦትኡ አሎ
እቲ ጽንዓትናን መኸተናን -- 'ውን ከምኡ አብ ቦትኡ አሎ
መሊሱ እኳ ድአ --- የሰውደናን የዕንትረናን አሎ !!!
አምላኽ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ
|