. . . : : :   W     E     L     L     C     O     M     E          T     O          R     A     I     M     O     Q   : : : . . .

 

:::..  Our Beauty is our Diversity & Unity!  ..:::

 

 
   

 

:::... |Home||News||V-Music||Photos||Video||Eri TV-Live||EriTV-V2||EriTV-Movies||Links||Contact| ...:::

 

 
 

ዕዉት ኣኼባ ህ.ግ.ደ.ፍ ንኡስ ዞባ ጀርመን

By PFDJ-Germany

 

ካብ ኩለን ጉጅለታትን ንኡሳን ጨናፍርን ብውክልና ዝመጽኡ ኣባላትን ሓለፍትን ካድራትን ዝተሳተፍዎ ናይ ክልተ ማዓልታት ገምጋማውን ትምህርታውን ኣኼባ ካብ ዕለት 01-02/05/2010 ኣብ ከተማ ሙኒክ ኣካይዶም።
 
ኣብ መኽፈቲ መደብ፡ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ብሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ብጻይ ብርሃነ ዘርኤ ድሕሪ ምስማዕ፡ ኣምባሳደር ጰጥሮስ ጸጋይ ንህልው ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን ኣመልኪቱ፡ ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ። ኣብ መግለጺኡ፡ መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽን ንመደብ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ንምዕዋትን ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ጭቡጥ ፍረ ይርከቦ ምህላዉ ኣብሪሁ። ንኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2009 ዝሓለፈ ውሳኔ እገዳ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ፡ ከምቲ ዝሓሰብዎ ክንንጸልን ክንምብርከኽን ዘይኮነ ብኣንጻሩ ህዝቢ ኣንጻር እገዳ ደው ብምባል ኣብ ጎኒ ህዝቡን መንግስቱን ምህላው ዳግም ከም ዘረጋገጸን ብምግላጽ ነቲ ብዕለት 22.02.10 ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ንኢዱ፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ሜዳይ’ውን ጽቡቅ ዕድል ፈጢሩ ምህላዉ ገሊጹ።

ዝቐጸለ መደብ ገምጋም ዓመታዊ ጸብጻብ ንኡስ ዞባ ኮይኑ፡ ብመሰረት ቤት ጽሕፈት ንኡስ ዞባ ዘቕረቦ ጸብጻብ ሰፊሕ ክትዓት ተኻዮዶም። ተሳተፍቲ ብመንጽር ተታሒዙ ዝጸንሐ መደብ ዕዮ፡ ንዝተራእዩ ገስጋስን ዝነበሩ ሕጽረታትን ብነቐፈታዊ ዓይኒ ድሕሪ ምግምጋም፡ ናይ መጻኢ መደብ ሓንጺጹ። ንዝሓየለን ዝጸፈፈን ስራሕ ከኣ ድልዉነቱ ኣረጋጊጹ።

ካልኣይ ገጽ ናይዚ ንኽልተ መዓልቲ ዝተኻየደ ኣኼባ እቲ ትምህርታዊ ክፋሉ ኢዩ ነይሩ፡ እዚ ብኽልተ ብጾት ዝቐረበ ክልተ ናይ ትምህርታዊ ጹሑፋት ብትሕዝትኡ ይኹን ብኣቃራርብኡ መሳጢ ነይሩ። ተሳተፍቲ ንዝቐረበ ኣስተምህሮ ብሕቶን ርኢይቶን ድሕሪ ምዕሟቑ፡ ንቕሓቶም ክብ ኣብ ምባል ኣበርክቶ ከም ዝነበሮ ተገሊጹ።

ምሸት ቀዳም ብኣጋጣሚ 40 ዓመት ኤናኤ (ውሳኔ ምድጋፍ ንህዝባዊ ሓይልታት) ዝተገብረ ጽንብል ምቁር ሕብስትን ሻምፓኝን ብምኽፋት ተዘኪሩ። ብተወሳኺ ን40 ዓመት ዝገልጽ ዶኩመንታር ፊልምን ስእላዊ ምርኢትን’ውን ቀሪቡ።

ኣብ ናይ ሰንበት መደብ ዝወዓለ ይንገር ኣብ ዝብል መደብ፡ ኣምባሳደር ጰጥሮስ ነቲ ቅድሚ 40 ዓመታት ዝተኻየደ ዋዕላን ዘሕለፎ ውሳኔን ኣመልኪቱ ተዘክሮታቱ ንተሳተፍቲ ኣዘንትዩ። ብኻሎኦት ብጾት’ውን ተወሳኺ መብርሂ ተዋሂቡ።

ኣብዚ ኣጋጣሚ’ዚ መንእሰያት ህግደፍ ሙኒክ ተረኺቦም ነያታቶም ቅሰኑ ን40 ዓመታት ዘሰላሰልኩሞ ቃልሲ ክንቕጽሎ ኢና ብምባል። ንነብሲ ወከፍ ተሳታፋይ ናይ ዕምበባ ሂያብ ኣበርኪቶምሎም።

ብጀካ’ዚ፡ ኣገድስቲ ኣብ ዝበሎም ኣርእስትታት ብመልክ ክፉት ዘተ ሰፊሕ ክተዓት ኣካይዱ። ከም ውጽኢት ከኣ ኣብ ዝበዝሑ ነጥብታት ሓባራዊ ርድኢት ተሳተፍቲ ከም ዝዓቢ ገይሩ።

ኣብ መደምደምታ፡ ድኻማትና ኣሊና ዘለውና ብልጫታት ዓቂብና ኣብ ውድባውን ሃገራውን ዕማማትና ህዝባዊ መኸተ ብምሕያል ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ብምልባውን ዓመታዊ መደብ ስራሕ ብምሕንጻጽን ናይ ክልተ መዓልቲ ኣኼቦኦም ዛዚሞም።

ዓወት ንሓፋሽ
ህግደፍ ን/ዞባ ጀርመን
 



 

 

 

 

© www.raimoq.com   Contact: info@raimoq.com  | © Designed by:  qama  design