|
ሃ.ማ.ደ.ኤ ጀርመን ካብ ዕለት 01-02/11.2008 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት መንፈቓዊ ኣኼብኣን ኣካይደን።
ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ካብ ኩለን ከተማታት ዝመጻ ሓለፍቲ ተረኺበን ብዛዕባ ዘካየድኦ ንጥፈታተን ገምጊመን።ብዝያዳ ከኣ
ንመጻኢ ኣበርቲዐን ክሰርሓ ቃል ብምእታው ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ናይ ምውህሃድ ዝምልከት ምስ ካልኦት ማሕበራትን
ከምኡ’ውን ኣብ መኸተን ምክልኻል ሃገርን ዝምልከት ኣሕይለን ክሰርሓ ምዃነን ብዝያዳ ከኣ ውዳቤኤን ንምስፋሕ
መንእሰያት ኣብ ምጥርናፍ ካብቲ ክደፋኣሉ ዘሎወን ዓቢ ዕማም ምዃኑ ኣስሚረናሉ።
ኣብ መወዳእታ ተሳትፎ ሃማደኤ ኣብ ፈስቲቫል 2008 ድሕሪ ምግምጋም ኣኼባኤን ብዝክረ ሰማእታት ተዛዘመ።
ዓወት ንሓፋሽ
ሃ.ማ.ደ.ኤ. ጀርመን |