|
ካብ መዓልትታት ሓደ መዓልቲ ተገብረ ይበሃል ፡ ዝብኢ ፡ ወኻርያ ፡ ወዓግ ያኢ ጥቡቕ ዕርክነት ገይሮም ፡ ኣብ
ጉርሒ ዝተመስረተ ሓድሽ ዕርክነቶም መስሪቶም ኣዝዮም ተፋቐሩ ፡ ኣብ ትርፊ ግዚኦም ብእግርኻ ምዝዋር ንጥዕናኻ ጽቡቕ
እዩ ስለ ዝሰምዑ ፡ ብሓደ ብእግርና ንዛወር ተባሃሂሎም ሸናዕ እናበሉ ክኸዱ እንከለዉ ፡ ክንዲ ያሒት ትኣክል
ጥቕላል ወርቂ ረኸቡ ግርም’ሞ ነዛ ጥቕላል ወርቂ ድንብልብል ዝኾነት ኣብ ሰለስቴና እንተድኣ መቒልናያ ፡ ስሓቢት
ዘይኮነት ስሉስ ኩርናዕ ወይውን ብልክዕ ዘይኮነ ሚዛን ተመቒላ ጋዞ ቅርጺ ክትሕዝ እያ ምኡውን ኣብ ሚዛን
ከይተሻምወና ፡ ከምዘላታ ብዕድመ ዝዓበየ ክወስዳ ንሰማማዕ በለቶም ወኻርያ ፡ ዝብእን ወዓግን ንሐሳብ ወኻርያ
ከየዕበሩ ሕራይ ኢሎም ክማቐልዋ ተሰማምዑ ፡ ወኻርያ ብጉርሓ በሉ ኣነ ዕድሜኹም ክሓተኩም’የ ፡ ኢላ ብዝብኢ ጀሚራ
ዕድሚኡ ሓተተቶ ፡ ዝብኢ ክንደይ እዩ ዕድሜኻ ? ዝብኢ ሆየ ትቕብል ኣቢሉ ኣነ ድኣ ዓሚ ዓሚ ተወሊደ ክብል መለሰ
፡ ቀጺላ ወኻርያ ፡ ንወዓግ መዓስ ተወሊድካ ቢላ ተወከሰቶ ፡ ወዓግ ድማ ጎራሕኩ ክብል ዝብኢ ዝበሎ ኣብ ግምት
ኣእትዩ ፡ ለም ክትፍጠር ከላ ተወሊደ በለ ፡ ወኻርያ ብጉርሓ ንመልሲ ዝብእን ወዓግን ኣብ ግምት ኣእትያ ሓቁ ወዓግ
፡ ወዓግ ክውለድ ፤ ቆልዓ ምስ ስቤቱ ተወሊዱ ሰሚዕና ፡ ኣደይ ሓናብሽቲ ሓንቢሻ ፡ ምስ ኣደይ ክንርእየካመጺእና ፡
ከምቲ ዝበሉና መስተንክር ብሰያብካ ተወሊድካ ሰሚዕና ፡ ኢላ ብጉርሓ ካብ ኩሎም ዝዓበየት ኮይና ነታ ቕላል ወርቂ
ወሲዳ ተመርቀፍት ይበሃል ፡ እሞ ፡ ግዜዩም ኣይተባኽኑ ፡
መንእሰይ ሗደራ እምብዛ ኣይትዓሹ
ብምኽሪ ገለ ካብ መትከሎም ዝዓሎቑ
ካብ ወትሩ ከም ጎራሕ ጎጎ ዝበሓቑ
ካብ ገለ ንመጎጎ ክንዲ ዘልምዑ ዝሃቁ
ካብ ገለ ግቡኦም ዝኸፈሉ ዘንታኢለት ዝመጻደቑ
ኣብ መትከል ዋርሳይ ተመለሱ ሕልናኹም ኣይትጸንቅቑ ፡
ኣነ ኣቦኹም ዘካርያስ ተስፋጽዮን ገረመድህን እበሃል
ምሳኻትኩም ክዋሳእ ዝጸናሕኩ ብእምባ-ሙዃን ክበሃሃል
ኣብ ሰብዓታት ዝሳገምኩ ናጽነት ደረሰት ክትበሃሃል
ንስደት ዝኣተኹዋ ሕምብሊል ዝበልኩላ ክትብል ከላ ሃልሃል ፡
መንእሰይ ከም ወኻርያ ኩን ጎራሕ
ንሂወትካ ኣብዘይከውን ኣይትምራሕ
እቶመረ ዝሰልጠኑ ስለ ዝሰበቱ ኣብስራሕ
ዘይኮንካዮ ኣይትዋሳእ ኣትክል ኣብስራሕ ፡
ካብ እምባሙዃን ( ዘካርያስ ተስፋጽዮን )
ዓወት ንሓፋሽ !
|