|
ጸብጻብ
መኽፈቲ 5ይ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ
ኣብ ከተማ ሮማ ዓዲ ጥልያን
Video
ዓርቢ ሚያዝያ 10 2009 ኣብ ከተማ ሮማ ዓዲ ጥልያን ሓምሻይ
ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ብውዕውዕ መንፈስ ተኸፊቱ። እዚ ንሓምሻይ ዓመቱ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ መንእሰያት
ህግደፍ ቀዳማይ መዓልቱ ብልዑል ተስታፍነትን ወኒን ክሳላሰል ውዒሉ። እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዋዕላ ልዕሊ 550
መንእሰያት ኤርትራውያን ዘሳትፍ ዘሎ መደብ ብዓይነቱን ብዝሒ ተሳተፍቲ: ካብ ዝሓለፈ ዓመታ ብዝበለጸን ፍሉይ
ኣተሓሕዛን ተጀሚሩ ውዒሉ።
ዓርቢ ንግሆ በቲ ፕሮግራም መሰረት ሰዓት 7:00 ድሕሪ ምኽፋቱ: መደብ ኣብ ቀጽሪ ዋዕላ ዝካይደሉ ዘሎ ቦታ
ኩሉ ተሳታፊ ኣብ ደገ ወጺኡ ብዝኽረ ሰማእታትን ሃገራዊ መዝሙር ብምዝማር: መደብ ተጀሚሩ።

ኣብ መኽፈቲ መደብ ብኣቦ መንበር ኣዳላዊት ኮሚቴ ብጻይ
ኣታኽልቲ ኣረፋይነ ንተሳታፍቲ ዋዕላ መንእሰያት እንቃዕ ብደሓን መጻኹም ብምባል ድሕሪ ምጅማሩ: ነዚ ኣብ ዓዲ
ጥልያን ዝቃናዕ ዘሎ ዋዕላ ዓመቱ ኣኺሉ እንሆ ድሮ ገጽ ንገጽ ተራኣኢና ዋዕላና ከነካይድ ብምብቃዕና ዝስምዓኒ
ሓበን ቀሊል ኣይኮነን ድሕሪ ምባል: ንተሳተፍቲ ዋዕላ ጽቡቕ ናይ ሰሚናርን ቅንያት ክኾውን ተመንዩ። ካብኡ
ብምቅጻል ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዓድ ጥልያን ብጻይ ዘመደ ተኽለ ንተሳተፍቲ ዋዕላ ኣገዳስነት ናይዚ ንራኸበሉ
ዘለና ኣጋጣሚ ብምጥቃስ: ነዚ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝቃናዕ ዘሎ 5ይ ዋዕላ መንእሰያት ታሪኻዊ ኣገዳስነቱ
ኣጋጣምታትን ክርሳዕ ዘይብሉ ሙኻኑ ኣዘኻኺሩ። ብጸይቲ ሸዋይነሽ ኪሮስ ሓላፊት ህዝባውን ኮማዊን ጉዳያት
ንተሳተፍት ኣንቃዕ ብድሓን መጻኩም ብምባል ነዚ ዋዕላ ክውን ንምግባር ዝተሓጋገዙ ማሕበራትን: ኮማትን
ጉጅለታትን ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓት ዓዲ ጥልያን ኣመስጊና።

ካብኡ ብምቕጻል ብመንእሰያት ዓዲ ጥልያን ዝተዳለወ ዝተፈላለየ ናይ ባህላውን መዘናግዕን መደብ ንተሳተፍቲ
ቐሪቡ። ካብዚ ብምቅጻል ብጻይ የማነ ገብርኣብ ሓጺር ናይ መኽፈቲ መደረ ነዚ ዝመጽእ ዘሎ ሰልስተ መዓልቲ
ዝኸውን ቀንዲ ኣርእስትታት ብምጥቃስ: ነዚ ሓምሻይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ኣንዳ ሰሰነን እቲ ግዚኡ ዝኣኸለ
ሓሳባት ናብ ክውንነት እንዳ ተቐየረ ዝኸይድ ዘሎ ምንቅስቓስ: መጀመርያ ክንጅምሮ ኮለና ዝሓተትናየን ሕቶታት
እንዳመለስናን ክንከይድ ጸኒሒና ኣለና: ሎሚ ዓመት ውን ነዚ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ ክንዛተየሉን: ውዳበና
ከነሓይለሉን ዓቕምታትና ክንግምግመሉን ዘኽእለና መደባት ተታሒዙ ክንሰርሓሉ ከምዝኾንና ኣስሚርሉ።
 ብጻይ ሱልጣን ስዒድ ኣቦ መንበር ሃ.ማ.ማ.ት.ኣ ክኣ ብወገኑ ኣብቲ መኽፈቲ መደረ ናይቲ ዋዕላ እቲ ቀደም
ካብ መጀመርያ ሰብዓታት ጀሚሩ ዓቢ ውጽኢት ዘምጽኣ ምንቅስቓስ መንእሰያት: ሎሚ ውን ናቱ መቐጸልታ መንእሰያት
ኤርትራ ኣብ ናይ ሃገር ጻውዒት ሓባራዊ መረድእታ ንምፍጣርን መንእሰያት ተወዲቦም ዝዓምዎ ዘልዎ ስራሕ
ክነኣኣስ ዘይክኣል ከምዝኾነ ብምግላጽ: እት ኣብ ሞንጎ መንእሰያትን: ዓበይትን ዘሎ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይን
ምስሕሓብን ብምጽባብ: መንእሰያት ናይ ጽባሕ መረሕቲ ጥራይ ዘይኮኑስ ናይ ሎሚ ውን መሻርኽቲ ከምዝኮኑ ብስራሕ
ክረጋገጽ ከምዝድለ ኣተሓሳሲቡ።
ኣዋሃሃዲት ኮሚቴ መንእሰያት ህግደፍን ዝተፈላለያ ብኣውሮፓ ደረጃ ተወዲበን ክሰርሓ ዝጸንሓ ኮሚቴታትን:
ዝርዝር ናይ ስራሕ መደበን ብምቕራብ ነቲ ናይ ስርሐን ውጽኢት እቲ ዋዕላ ብነቐፈታዊ መገዲ ገምጊምዎ።
ካብኡ ብምቕጻል ካብ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓድታት ዝመጻ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ መስሪተን ክሰርሓ ዝጸንሓ
ጉጅለታትን ማሕበር መንእሰያት: ዝርዝር ጸብጻባት ብዝተፈላለየ ኣቀራርባ
እዚ ዋዕላ ንዝመጽእ ዘሎ ክልተ መዓልቲ ክሳብ ሰኑይ ዕለት 13 ሚያዝያ ክቅጽል እዩ። ተሳተፍቲ ዋዕላ ኣብ
ዝተፈላለየ ኣርእስቲታት ትምህርትን: ዘተን ክትዓትን ክካይድ ከምዝኾነ መድባት ወጺዎ ኣሎ። |
5th conference of PFDJ youths in Italy
underway
Photos
|