|
ሕቶ።- ንነብስኺ ከም ዝኾነ ኣብ
ደገ ዝቕመጥ ኤርትራዊ ጌርኪዶ ትወስድያ?
ብርግጽ፣ ኣካል ናይቲ ኣብ ደገ ዝቕመጥ ኤርትራዊትየ፣ ከም ተመላሲት ገይረ ድማየ ንነብሰይ ዝቖጽራ፣
ምናልባት ትፈልጥዎ እንተኾንኩም። ኮኬናን ዝበሃል ካናዳዊ- ሶማላዊ ድምጻዊ ኣሎ፣ ሓደ መሓዛይ ንሓንቲ ካብ ሲዲታቱ
ሂቡኒ፣ ኣብ ሓንቲ ካብ ደርፍታቱ ከኣ ንኤርትራ ይጠቕሳዩ፣ እታ ደርፊ ብዛዕባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይና። ሶማልያን
ኬንያን ምስ ጠቐሰ ንኤርትራ ይጠቕሳ፣ ኤርትራ ተጠቒሳ ኢለ ኣዝየ ተሓጒሰ፣ ጸኒሐ ምስቲ ሶማላዊ ድምጻዊ ቃለ መጠይቕ
ኣካይደ ነይረ፣ ምስኡ ብዛዕባ ስደት ተዘራሪብና፣ ደስ ዝበለኒ ሓረጋት ነይርዎ፣ ኣብ ስደት ኣይኮንኩን ዘለኹ።
ናተይ መንነት። ናተይ ባንዴራ ዘለኒ ሰብየ ኢሉኒ። ንነብሱ ከም ተመላሲዩ ዝሓስባ፣ ኣነ እውን ምስቲ ዝነብረሉ
ሃገር። ዓዲ እንግሊዝ ኣይሰምርን እየ፣ ምስ መበቆላዊ ዓደይየ ዝሰምር፣
ሕቶ።- ኣስመራ ምስ መጻእኪ
ስድራኺ ንፈለማ ክረኽቡኺ ብምባል ደዊሎሙልኪ ነይሮም፣ ኣብቲ እዋንቲ ድሕሪ ሰላሳ ዓመት ገጽ ንገጽ ንኽትራኸቡ
ዓሰርተ ደቒቕ ጥራሕ ተሪፉኪ ከም ዝነበረ ኣብ መጽሓፍኪ ገሊጽኪዮ ኣለኺ፣ ነዛ ናይ ዓሰርተ ደቒቕ ህሞትዚኣ ብኸመይ
ትገልጽያ?
ኣብ ሆቴል እምባሶይራየ ነይረ፣ ክሓምምየ ዝብል ስምዒትዩ ነይሩኒ፣ ....ምርዓም። ተነጽሎን ብሕትውናን
የስዕበልካዩ... ፍርሒ ከኣ ነይሩኒ፣ ብቕልጡፍ ሰውነተይ ክሕጸብ ናብ ክፍለይ ምስ ኣተኹ። ብንብዓትን ብብኽያትን
ተሰንየየ ተሓጺበ፣ ካብዚ ክፍሊ ውጺ። እንተወጺእኪ ክሕሸኪዩ ዝብል ስምዒትዩ ነይሩኒ፣ ኣብ ክንዲ ናብቲ ወዲ
ሓወቦይ ዝነበሮ ክፍሊ ንታሕቲ ዝኸይድ ከኣ ንላዕሊ ገጸይ ደየብኩ፣ ኣብኡ ኮይነ ኤም ቲ ሩም ኣትየ ክሕባእ ከድኩ፣
ጸኒሐ ግን ግድን ክወርድ ነይሩኒ፣ ዝጽበየኒ ዝነበረ ወዲ ሓወቦይ። ፍርሐይ ክርደኣለይ ኣይከኣለን፣ ብዝኾነ እቲ
ፍጻመ ኣርዓዲዩ ነይሩ፣
ሕቶ።- ንነብስኺ ምስ ካልኦት
ዝረዓሙ ሰባት ከተረኣእያ ከለኺ እንታይ ፍሉይነት ትረኽብላ?
ፍሉይነት ዝበሃል የብለይን፣ ተመሳሳሊ ተመክሮዩ ዘሎና፣ እዚ ተመሳሳልነት እዚዩ ከኣ ምስ ከማይ ዚኣመሰሉ
ሰባት ክራኸብ ከለኹ ባህ ዘብለኒ፣ ምኽንያቱ ምርዓም ተነጽሎን ብሕትውናን የስዕበልካዩ፣ ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ ከኣ
ሰባት የድልዩኻዮም፣ ሓያሎ ሰባት ግና። ብምርዓሞም ስለዝስከፉ ከም ምስጢር ሒዞሞ ይነብሩዮም፣ ዘሕፍር ኮይኑ
ይስመዖም፣ እዚ ጌጋ ኣመለኻኽታዩ፣ ምኽንያቱ ምርዓም ክሕባእ ዘይክእል ነገርዩ፣ መጽሓፈይ ንሕትመት ምስ
ኣብቃዕክዋ። ሓያሎ ሰባትየ ተላልየ፣ ካብቶም ዝተላለኽዎም ገሊኣቶም ዝረዓሙዮም፣ እንተኾነ ከምኡ ምዃኖም ክዛረቡ
ኣይደልዩንዮም፣
ሕቶ።- ፈለማ ኣብ ኣስመራ እግርኺ
ምስ ኣንበርኪ ዝያዳ ኩሉ ዝመሰጠኪ ወይ ጦብላሕታ ዘሕደረልኪ ነገር እንታይ ነይሩ?
ብፍላይ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከለኺ ምስ ዝነበረኪ ግምታት ብምንጽጻር? ዝያዳ ኩሉ ዝመሰጠኒ ህዝቢዩ፣ ገበን
ዘይፍጽም። ናይ ምሕዝነትን ምትሕግጋዝን መንፈስ ዘለዎ ህዝቢ ርእየ፣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ
ዝበሃል የለን፣ ኣብዚ ግን። ናብቲ ዝነበርክዎ መዕበያ ዘኽታማት ምስ ከድኩ። ሰላሳ ዓመት ዘቝጸረ ፋይለይ ኣብ
ውሽጢ ሓሙሽተ ደቒቕ ረኺቦም ሂቦሙኒ፣ ኣዝየ ተመሲጠ፣ ስድራይን ሕሉፈይን ክፈልጥ ኣዝዩዩ ሓጊዙኒ፣ ካልእ
ስነ-ህንጻ ከተማ ኣስመራ ካብቲ ዝመሰጠኒ ትርኢትዩ፣ ኣስመራ ምጭውቲ ከተማያ፣ ጎደና ሓርነት ደስ ዘብል
ጎደናዩ፣ ፈቐዶ ቤት ጽሕፈት ዝጸንሑኒ ሰባትውን ተቐበልቲ ኣጋይሽዮም፣ ገዛኻ ኮይኑ ከም ዝስመዓካ ይገብሩኻ፣
ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ብዛዕባ ኣፍሪቃ ክዝረብ ከሎ ኣሉታዊ ጥራሕዩ፣ ድሕሪ ሰዓት ሽዱሽተ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ
ጎደና ሓርነት። ኣብ ዝተፈላለዩ ካፈታት ሰባት ሓቢሮም ከዋግዑ ክርኢ ከለኹ ካብቲ ዝምስጠኒዩ፣ ከም ጎደና ሓርነት
ዚኣመሰላ ጎደናታት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ርእየ ኣይፈልጥን፣ ፍጹም ርእየ ኣይፈልጥን!
ሕቶ።- ኣብ መጽሓፍኪ ዘለኪ
ስምዒት ኢኺ ኣስፊርኪዮ ዘለኺ፣ ናበይትኺ ሕማቕ ከይስመዖም ዝተሰከፍክሉ ነገራት ነይሩዶ?
ስድራይ ከይስመዖም ኢለ ዝተሰከፍክሉ ነገራት የለን፣ ጽሒፈ ምስ ወዳእኩ ቅድሚ ማሕተም ንኣቦይ ከንብባ ሰዲደሉ
ነይረ፣ ኣንብባሞ። ዘይፈተኻዮ ነገር እንተረኺብካ ንገረኒ። ክንዘራረበሉ ኢና ኢለዮ፣ ክልውጦየ ወይ ከውጽኦየ
ዝብል ዘረባ ኣየስማዕክዎን፣ ጥራሕ ንገረኒሞ ክንዘራረበሉ ኢና ኢለዮ፣ ንሓደ ናይ ቀረባ ዘመድ ዝኾነ ኤርትራዊ
ከኣ ሓንቲ ቅዳሕ ሰዲደሉ፣ ናይ ቀረባ ቤተ ሰብ ስለዝኾነ። ንመበቆላውያን ስድራይ ወኪሉ ከንብበለይ መሪጸዮ፣ ንሱ
ነቲ ትግርኛ ጥራሕ ኣሪሙለይ፣ ዘዕበየኒ ኣቦይ ምስ ሃብክዎ ንገለ መዓልታት ኣይተቐልቀለንን፣ ኣይፈተዋን ዝብል
ስምዒት ሒዙኒ ነይሩ፣ ደሓር ግና። ብኣይ ኩሩዕ ምዃኑ ኣዕሊሉኒ፣ ሓንቲ ንእሽቶ ነገር ጥራሕ ክቕይር ተማሕጺኑኒ፣
ዝያዳ ካብ ሃየስቲ ግና። ግብረ መልሲ ናይዞም ክልተ ወገናተይዩ ኣሻቒሉኒ ነይሩ፣
ሕቶ።- ምስ ኤርትራ ዘለኪ ርክብ
ክትቅጽልዮ ዲኺ? ብርግጽ። ምስ መበቆላውያን ስድራቤተይ ቀጻሊ ዝኾነ ርክባት ኣለኒ፣ ሕቶ።- ስለምንታይ ሃና ፑል
ትበሃሊ። ስለምንታይ ሃና ኣስራት ዘይትበሃሊ?
(ኣስራት ስም ኣቦኣዩ) ፈለማ ኣነ ኣይኮንኩን ስመይ ለዊጠዮ፣ ከም ዝመስለኒ ኣስማት ሓያላት
መለለዪታትዮም፣ ሓደ ካብቲ ናበይቲ ስድራቤታት ፈለማ ዝወስድዎ ስጉምቲ ኣስማት ብምርዓም ዝናብይዎም ቈልዑ
ምቕያርዩ፣ ንዕኦም ቅቡል ምኽንያትዩ፣ ንዓይውን ከምኡ ቅቡል ኮይኑ እስመዓኒ፣ ዘርዓሙኒ ስድራ ግና። ኣብዚ
ፍሉይነት ኣለዎም፣ መበቆላዊ ስመይ ኣዜብዩ ነይሩ፣ ኣዜብ ዝብል መጸውዒ ስም ኣብ ማእከል ሃናን ፑልን ኣእትዮሞ፣
ሃና ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ። ብሓፈሻኡ ከኣ ኣብ መላእ ዓለም ፍሉጥ ስም ስለዝኾነዮም መሪጾሞ፣ ፑል
ናይ ኣቦይ ስም ምዃኑዩ፣ ንእሽቶ ከለኹ ስመይ ናብ ኣዜብ ክልውጦየ ዝብል ናይ መንነት ስምዒት ነይሩኒ፣ ብኸምዚ
እናዓበኹ ምስ ከድኩ ጋዜጠኛ ኮይነ፣ ጋዜጠኛነት ንዓሰርተ ዓመትየ ሰሪሐሉ፣ ኣብዚ እዋንዚ ስመይ ክልውጥ
እንተደለኹ ከኣ ሃና ፑል ትበሃል ሰብ ኣይክትህሉንያ ማለትዩ፣ ኣንበብተይ ብሃና ፑልዮም ዝፈልጡኒ፣ እምበር
መበቆላዊ መጸውዒየይ ኣዜብ ኣስራትዩ፣ ስለዚ ኣብ ክንዲ ምሉእ ብምሉእ ምቕያር ንኣዜብ ኣብ ማእከል ምንባር ይሓይሽ
ኢለ፣ ገለ ካብ ኣባላት ስድራይ ኣዜብ ኢሎም ከድህዩኒ ከለዉ ግና። ኣዝዩዩ ባህ ዝብለኒ፣ እዚ ይኹንምበር ዝያዳ
መጸውዒ ስመይ። ትግርኛ ክመሃር ባህጊ ምሕዳረይ። ንኣቦይ ምርካበይን ክበጽሖ ምኽኣለይን እዓዘኒ፣
ሕቶ።- ሃና ፑል ተባሂልኪ
ክትጽውዒ ከለኺ ኣቦኺ እንታይ ይስመዖ ኢልኪ ትሓስቢ?
የገድሶ እንተደኣ ኮይኑ። ኣዜብ ኣስራት ኢሉ ክጽውዓኒ ይኽእልዩ፣ ልዕሊ ኩሉ ብኣካል ተራኺብና ኣለና፣ ዝያዳ
ከመይ ይስመዖ ግና። ኣውጋሮ ኬድካ ጥራሕ ኢኻ ክትሓቶ ዘለካ፣ (ሰሓቕ) ብዛዕባዚ ምስ ኣቦይ ተዘራሪብናውን
ኣይንፈልጥን ፣
ግርማይ ኣብርሃም |