|
ሐወይ ስምካ ሃበኒ
መንኻ ንስኻ
ፍጥረትካ ካበዩ ዓጽሚ
ስጋኻ
ትፈልጣ ድኻ ንሃገርካ
ዝወለደት ንዓኻ
ተመለስ ንድሕሪት
ዘክሮ ንታሪኽ ቃልስኻ
ኣብቲ ታተ ዝበልካሉ
ዝጎየኻሉ ብንእሽቶኻ
ብኽራር ጭራወጣ
ክትስዕስዕ ክትደርፍ ከለኻ
ትዝክሮምዶ ንስድራኻ
መማህርቲ ኣዕሩኽቱኻ
ነቲ ታተ ዝበልካሉ
መሬት ኩርዓትካ
ከመይ ይመስል ነይሩ
ናብራ ንእስነትካ
እንታይ ትዝክር
እንታይ ዝብል ሰሚዕካ
ባዕዳውያን ገዛእቲ
ክሐርዱ ክጭፍጨፉ ንሰብካ
ውሽጣዊ ሕሊናኻ
እንታይ የዘክረካ
እስቲ ሕተታ ኣዛርባ
ንመንፈስካ
ኣበዩ ሃገረይ መንዩ
ስመይ ኢልካ
ንምንታይ ትብል
ቀጥቀጥ ሰንከልከል
ብሕንፍሽፍሽ ወሬ
ንፍጥረትካ ትቕይር
ኣብዘይ መሬትካ
ተፈሊኻ ክትነብር ?
ትዝክሮዶ ነቲ
ኤርትራዊ መሬት
ኣብዘለኻሉ ኮንካ ቦታ
ዓዲ ስደት
ከመይ ነይሩ ናብራ
ናይ ቀደም
ኣደታት ማይ ክወርዳ
ተጸንቂቑ
ንሩባ ክኸዳ ብዙሕ
ሰዓታት ርሒቑ
ሆስፒታላት ሕክምና
ስለዘይተወራረቐ
ብዘይቋንቋና ከንመሃር
ክንደይ ዘይሐረቐ
ሕጂኸ ሃገርካ ከመይ
ኣሎ ርኢኻዮ
ምስውሽጥኻ ተዛረብ
ነቲ ሐቂ ኣውጻኣዮ
ሐሳዊት መልሐስካድያ
ክትእረም ዘይምኽኣላ
ወይስ ሐንጎልካ ያ
ቁሩብ ጎዲላ ዘንቢላ
ዝተወለድካላ ሸውዓተ
ግዜ ዝተዓለለላ
ኣብታ ሃገር መጸዊዒ
ሽም ዝተወሃብካላ
ዘክራ ኣይትረስዕ
ንሳያ ኤርትራ ንሕበነላ
ፍሉጥ ህዝብን ሃገር
ምስ መሬት ከለካ
ነቶም ጀጋኑ ስዉኣት
ኣሕዋት ረሲዕካ
ምስ ከዳዓት
ክትስዕስዕ ንገንዘብ ኣሚንካ
ኣይትሐፍርን ብህያብ
ንመንነትካ ክትቅይር
ብርሃን ከሎ ኣብ
ጸልማት ብሕስራን ክትነብር
ንምንታይ
ንፍጥረት ምስልኻ
ባዕልኻ ትኽሕዶ
ተፈሊኻ ክትነብር ካብ
ኤርትራዊ ብሉጽ ወለዶ ?
ዋላ ብዙሕ ርሐቕ
ኣብዝኽድካ እንተኸድካ
ክትቅይር ትኽእል
ትኸውን ንስምካ
ኤርትራ ግን ናትካያ
ውሽጣዊ ዕግበትካ
ንነብስኻ ኣእምና
ሃገረይ ኢልካ ባዕልኻ
ሃገር ክብረትዩ ጠጠው
ክትብል ብነብስኻ
ምእንቲ ክዓግብ
ክፍወስ ክጸግብውን ከብድኻ
ብሐባር ክትነብር ምስ
ኤርትራውያን ምስልኻ
ስለዚ ናይ ዝኾነ
ዝፈላሊ ወረ ከይሰማዕካ
ነቶም ዕርቃኖም ዝወጹ
ብላይክዳን ከይለመንካ
ኪድ ተበገስ ክትርእያ
ነታ መሬትሐቂ ሃገርካ
ናብ ንቡር ክትምለስ
ክትሕበን ምስ ኤርትራዊ ስምካ
ካብ ቤላቤሎው
ክትፍወስ ክጸሪ መልሐስ ሐንጎልካ
ዓወት ንሐፋሽ
ብርሃነ ገብረውመስቀል
25-07-2008 |