ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተላዕለ ግጭት ጠንቁ ዓሌታዊ`ዩ ይብሉ ገለ ተመሃሮ

0
9

[VOA] ፖሊስ የጻርዮ`ለኹ ይብል፡ መበገሲ ግን ኣብ መናድቕ ዝተለጠፈ ጽሑፋት ምዃኑ ይሰማማዕ

[audio http://realaudio.rferl.org/voa/TI/manual/2013/01/11/cba2ade4-7f8d-4f0f-afb8-09d1d2b12fe4.mp3]

Ethiopia-genocide400

ንድሕነቱ ብምስጋእ ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ተመሃራይ ንቪኦኤ ክገልጽ ኸሎ “ ንብሄረ-ኦሮሞ ዘስተናዕቕ ጽሑፍ” ድሕሪ ምውጽኡ፡ ቀስ ኢሉ ናብ ዳርባ እምኒ ከምዝተኣተወ ይገልጽ።

ወሃቢ-ቓል`ቲ ዩኒቨርሲቲ ብወገኑ፡ እናመርመርናዮ ኸለና፡ ተማሃሮ ትዕግስቲ ስኢኖም ይብሉ።

ኣባል ተቓወምቲ ዶ/ር መራራ ጉዲና፡ ሓደ ካብ ምኽንያት`ቲ ባእሲ “ ገዛኢ ፓርቲ ብናይ ፈላሊኻ ግዛእ ፖሊሲኡ፡ ንተማሃሮ ፈላልዩ ዝውድብ ምዃኑ`ዩ” ይብሉ።