ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ፈደረሽን ሩስያ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ

0
17

PIA-and-Bogdanov450ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብ28 ጥሪ ንፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ፈደረሽን ሩስያ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ምኽትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ሚስተር ሚኻኤል ቦግዳኖቭ ኣብ ህንጻ ሃገር ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ። ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሚስተር ሚኻኤልን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድና ብሓፈሻ ኣብ ንግድን ወፍርን ድማ ብፍላይ ዘተኰረ ዘተ ብምክያድ፡ እቲ ዝጸንሐ ዝምድናታት ኣብ ዝምዕብለሉን ቀዳምነታት ክውሃቦ ዝግባእን ጉዳያት ብሰፊሑ ተመያዪጦም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን እቲ ሩስያዊ ልኡኽን ኣስዒቦም፡ እቲ ዝተዛተዩሉ ዛዕባታት ብግብራዊ ስጕምትታት ክስነ ምእንቲ፡ ወከልቲ ክልቲአን ሃገራት ተራኺቦም ክቕጽሉዎ ተረዳዲኦም። ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሚስተር ሚኻኤልን ብዘይካ’ዚ፡ ንኽልቲአን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያትን ምዕባለታትን ዘትዮም።

ኣብቲ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሩስያ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ንኽሰፍን ተራኣ ከተዕዝዝ፡ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝድግፍ ኣረጋጊጹ።

ድሕሪ’ቲ ርክብ፡ ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ፈደረሽን ሩስያ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ምኽትል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢን ሚስተር ሚኻኤል ቦግዳኖቭ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣቝጺሩ ዘሎ ዲፕሎማስያዊዝምድና ኤርትራን ሩስያን ናብ ዝበረኸ ናይ ምትሕግጋዝ መድረኽ ንምድያቡ ድሌት ክልቲኡ ወገን ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ንህልው ኩነታትን መጻኢ ኣመታትን ናይ’ቲ ዞባ ብዝምልከት ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሰፊሕ መረዳእታ ከምዝረኸበ ገሊጹ።