ዝጠፍውሸ ውዲት 3ይን 4ይን ክፋል

0
10

Mekete-Banner150

ዝጠፍውሸ ውዲት 4ይ ክፋል

ኣብ 40ታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘይተኣልመ ውዲት ኣይነበረን።


እቲ ዝወረደ ግፍዕን በደልን ጽሒፍካ ዝውዳእ ኣይኮነን ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋተይ ቍሩብ ትንክፍ ኣቢለዮ ኣሎኹ፣። ኣብ መጻኢ ብሰፊሑ ክንትንትኖ እየ።

ኣብ 1950 ኣመሪካ፣ እንግሊዝ፣ ፈረንሳይ፣ ሶቬት ሕብረት ኤርትራ ብቝጠባ ነፍሳ ኣይትኽእልን ዝብል ብይን 390 A(V) ናይ ባ.ሕ.ሃ. ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክትቍረን ወሲነን።

ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ 1985 ቍዋም ኤርትራ ነዲፉ ኣብ 1987 ብካድራት ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ ተጋደልቲ ወሪዱ ኵሉ ተኻቲዑሉን ዓጊብሉን ድማ፣ ነቲ ዝተነድፈ ቅዋም ብድሕሪ ናጽነት ኣብ 1994 ዳግማይ ንኽረአ ሓንቲ ኮሚቴ ተመዚዛ እታ ኮሚቴ ኵሉ ርእያ ኣብ 1997 ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ብባይቶ ጸዲቑ። ብተወሳኺ ኣብ 1987 ናጽነትና ብረፈረንዱም ክረጋገጽ ኣለዎ ዝብል ብመራሕቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ ናብ ተጋደልቲ ወሪዱ። ነዚ’ውን ኵሉ ተጋዳላይ ተኻቲዑሉ፣ብብርክት ዝበሉ ተጋደልቲ ናጽነትና ብቕልጽምና እንተ ኣውጺእናያ ንምታይ ረፈረንዱም የድሊ ዝብል ሕቶ ይለዓል ነይሩ፣ ነዚ’ውን መን ይፈልጥ ጽባሕ ንጕሆ ዝመጽእ ሕቶን ሳዕቤንን ኣብ ግምት ብምእታው ብሩህ ራእይ ዝነበሮም በላሕቲ ካድራትና ክውን ገይሮሞ ጥራሕ ዘይኮነስ ውጽኢቱ ብግብሪ ርኢናዮ ኢና።

ኣብ 1991 ወርሒ ግንቦት ኣብ ኣኼባ ሎንዶን ነቲ ኵሉ መስዋእቲ ከፊልና ናጽነት ዘምጻእናዮ ኣመሪካ ኣብ ማይ እእትዮም ብጂሚ ካርተር ኣቢሎም ኣብ’ቲ ናይ 50ታት መድረኸ ተመሊሶም ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክቘርኑና ጠለባት ኣቕሪቦም። ብመራሕትና ዝተዋህበ መልሲ ግን ናጽነትና ብረፈረንዱም ይረጋገጽ ኢሎሞም። በዚ ድማ ኣብ 1993 ረፈረንዱም ተኻይዱ፣ ኣመሪካ ክሳብ ሎሚ ብናጽነት ኤርትራ ቀሲኖም ኣይሓደሩን። ነዛ ረኺብናያ ዘሎና ናጽነት ካብ ኢድና ከሕድጉ እንተ ተኻኢሉ ብኢትዮጵያ እንተ ዘይተኻእለ ድማ ብሃሱሳት ነታ ሃገር ምሕማስ ካብ ፈተነታት ኣቋሪጾም ኣይፈልጡን። ገለ ኤርትራውያን ዝዛረብዎን ዝገብርዎን ዘለው ብዙሕ ሰበብ ዘለዎ’ዩ። ንኣብነት ከም በዓል ዶ/ር በረኸት ሃብተስላሰ ዝኣመሰሉ ኤርትራ ብቝጠባ፥ ብማሕበረዊ፥ ብፖለቲካ ከም ሃገር ነፍሳ ኣይትኽእልን’ያ ክብል ቅድሚ 3ተ ወርሒ ተዛሪቡ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ገለ ዕሱባት ናይ ምዕራብ ጋዜጠኛታት ክደግምዎ ንሰምዖም ኣሎና። ናይ በዓል ዶ/ር በረኸት ዕላማ ኣብ 40ታት ማሕበር ኣንድነትንን ሕብረትን ዝሓልምዎ ዝነበሩ ሕልሚ 70 ዓመት ንድሕሪት ተመሊሱ ዘምባዕ ሓሳብ የቕርብ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን እንተኾነ ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተ ንባድመ ሕዙእ ቦታ ኮይኑ ንውድብ ሕቡራት መንግስታት ነረክባ ክብል መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ፣ እዚ ናይ ጥልመት ሕልሚ ጥራሕ ዘይኮነ ኤርትራዊ ንውሉድ ወለዶ ከይቀሰነ ንኽነብር ዝተለምዎ ውዲት’ዩ። ግጭት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንመጻኢ ብዘይማትእ ብኮምሽን ዶብ ተወዲኡ’ዩ ብካርቶግራፊ ተሳኢሉ Cartography ንኽልቲአን ሃገራት ተዋሂቡ። እቲ ተርሪፉ ዘሎ ሽኻል ምሽካል ጥራሕ’ዩ እዚ ድማ ንግዜ ንጽበ። ገለ ሰባት ከምበዓል ዶ/ር በረኸትን ዶ/ር ኣሰፋውን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣይተውደአን ኣብ ምልክት ሕቶ’ዩ ዘሎ እንዳ በሉ ናይ ክፋኣት መናፍሕ ይነዝሑ ከም ዘለው ፍሉጥ’ዩ እዚኣቶምን ከምእቶምን ዝኣመሰሉ ጥቕሚ ዝገደሎምን ብክቱር ጽልኢ ዓይኖም ዝዓወሩን እዮም። ይኹን እምበር ኣንጻር ሃገርካን ህዝብኻን ልዕሊ ኵሉ ድማ ስውኣትካን ስንኩላትካን ክሒድካ ዝግበር ዋጋ ዕዳጋን ምስሉይ ፈጠራን ኣተሓሳስብኦምን ተሓታትነቶምን ንታሪኽ ንገድፎ።

እዚ ኵሉ ውዲትን ፈጠራን ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ጸቕጥን ከም ነፋሒቶ መልክዑ እንዳ ቀያይረ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ኣብ ምንታይ ንምብጻሕ’ዩ፣

  1. ንዳግማይ መግዛእቲን ንርውየት ኢትዮጵያን ሕልሚ ዓባይ ትግራይ ንምትግብር ይሕሰብ እንተሎ፥ ተባኢስናስ ተዋዲቕና።
  2. ኣመሪካ ንዓኣ ዝመስል ኣገልጋሊ ክትዓስብን ክትውክልን ትደሊ እንተላ ንምንታይ መስዋእቲ ከፊልና።
  3. ነዚ ክልተ ተግባር እንተ ዘይሰለጦም ድማ ኤርትራ ኣሰር ሶማል ንኽትስዕብ ከም ሃገር ደው ንኸይትብል ነበረያ ነበረ ክትከውን ይሓስቡ እንተልዮም ንሕና ኤርትራውያን ሕሉፍ ተመኵሮና ዓቢ መምህርና’ዩ እሞ ኣብ ልብኹም ተመለሱ ጥራሕ ዘይኮነ ርእሲ ኣሎና ዝሓስብ ኢድ ኣሎና ዝዓዪ፥ እግሪ ኣሎና ዝጐዪ፥ ህዝቢ ኣሎና ብሱል፥ ባሕሪ ኣሎና መራኸቢ፥ ንውዲትኩም ኣይንቕበልን እምቢ።

ብተወሳኺ እዚ ትማሊ ዕለት 30.01.2013 ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ ብዛዕባ ኤርትራ ዘቕረብዎ ሓሳብን ዝተዛረብዎን ብጣዕሚ ዝምስገን’ዩ ነዚ ኣብ ኤርትራ ተጀሚሩ ዘሎ ወፍሪ ክተሓጋገዙን ከተባብዑን ምኻኖም ሓቢሮም ብዛዕባ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነባሪ ሰላም ዝፍጠረሉ መንገዲ ክጸዓር ከም ዘለዎ ተዘራሪቦም። እዚ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት’ዩ።
ትሕዝቶ ናይ ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ታሕቲ ኣሎ ስምዕዎ።

[VIDEO]>> House of Lords UK discussed about Eritrea.

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዓወት ንሓፋሽ

ተስፋይ ጀርመን

 


ዝጠፍውሸ ውዲት 3ይ ክፋል

Ztefeshe-Widit_part-3