ቤት ፍርዲ ኦክላንድ ክሊፎርንያ ኣብ ልዕሊ ወይጦታት ውሳኔ ኣሕሊፉ

0
43

eritrea_map_flag

ማእከል ባህልን ሓበሬታን ኦክላንድ
Eritrean Community Cultural Civic Center

ኣገዳሲ ሓበሬታ ካብ ኦክላንድ፡ ካሊፎርኒያ። ንነዊሕ እዋን ኣብ ቤት ፍርዲ ክካየድ ዝጸንሔ ጉዳይ ወይጦታት ኦክላንድ ንኣብ ኦክላንድ ዝርከብ ማሕበረኮም Eritrean Community Cultural Civic Center ንጸልማት ጉልባብ ብምግባር ብለይቲ ሰባቢሮም ምኻዶም ዝዝከር ኢዩ።

እዚ ጉዳይ ብሕጋዊ መዳያት ብዕቱብ ክንከታተሎ ድሕሪ ምጽናሕ እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ብዓወትና ተዓጽዩ ። ክቡር ፈራዳይ ብሓሶት ናይቶም ወይጦታት እንዳተገረመ ናይ ምቅዋም እምበር ናይ ንብረት ምስባርን ምብልሻውን መሰል ከምዘይብሎም ብምግላጽ ኣብ ቤት ፍርዲ ገኒሕዎም። ዋጋ ናይ ዘበላሸውዎ ንብረትን ናይ ቤት ፍርዲ ወጻኢታትናን ንኽሽፍኑ ድማ ብጽሑፍ ወሲኑ። ንብሙሉኡ ኣብ ዓለም ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ዓወትካ ስለ ዝኾነ ዮሃና እንቋዕ ሓጉሰና ንብል።

ጉዳይ ኦክላንድ ኣብዚ ተደምዲሙ ማለት ኣይኮነን ገና ብወንጀላዊ መንገዲ ንቤት ፍርዲ ንመላለስ ኣሎና፡ ብሕጊ ደጊምና ከም ንዕወት ኣይንጠራጠርን።

ዓወት ንሓፋሽ!
ECCCC, Inc. Oakland2 2/1/2013