በዓል ጥምቀት ኣብ መላእ ሃገር ተኸቢሩ

0
23

Asmara-Beal-Timqet-2013-450

በዓል ጥምቀት ብ19 ጥሪ ኣብ መላእ ሃገር ተኸቢሩ ውዒሉ። ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ መራሕቲ ሃይማኖትን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መእመናንን ዝተሳተፍዎ ስነ-ስርዓት፡ ብድሮ ካብ ኩለን ኣብያተ- ክርስትያን ኣብ ባሕረ ጥምቀት ዝሓደሩ ታቦታት፡ በዓል ተራ መካነ-ሰማእት ቅዱስ-ጊዮርጊስ፡ ብቅዱስ ፓትርያርክን ብጹኣን ጳጳሳትን እናተመርሑ ስብሕተ እግዚኣብሄር ከብጽሑ ሓዲሮም።

 

ትማሊ ንግሆ ብመሪሕነት ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ – ራብዓይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ- ክርስትያን ኤርትራን ብጹኣን ጳጳሳትን ብለባስያን መዘምራን ካህናትን ሊቃውንትን ተመሪሖም፡ ኣብ ባሕረ- ጥምቀት ቅዳሰን ጸሎተ ወንጌልን ኣዕሪጎም። ኣብ’ቲ ጽንብል፡ ሊቃነ ጉባኤ በየነ በዓል ጥምቀት ኣብ መላእ ሃገር ተኸቢሩ እያሱ ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣ’ቲ በዓል ዝምልከት ስብከት ድሕሪ ምስማዕ፡ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ብቅዱሳን ጳጳሳት ተሰንዮም ንባሕረ- ጥምቀት ባሪኾም ናብ ህዝቢ ነጺጎሞ።

ኣብ መወዳእታ፡ ካህናትን ሊቃውንትን ነቲ በዓል ዝምልከት ዜማ እናኣስምዑ ብሓባር ሽብሸባ ድሕሪ ምክያድ፡ ቡራኬ ተዋሂቡ ታቦታት ብመእመናን ተሰንዮም ነናብ ደብሮም ተመሊሶም።