ሕብረት ኣፍሪቃን ግዴታኡን [ሓተታ]

0
9

African-Unionሰላምን ርግኣትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሪጎም ካብ ዝርከቡ ጉዳያት ሓደን ቀንዲን፡ ጎበጣ ወይ ወራር ልኡላዊ መሬት ኤርትራ እዩ። እቲ ኣብ 1998፡ “ግጭት ዶብ” ተባሂሉ ዝተፈብረኸ ጉዳይ፡ ኣብ ማዝያ 2002፡ ፍርዳዊ ውሳነ ተዋሂብዎ፡ ብሕጊ ተደምዲሙ ከብቅዕ፡ ብዘንቀደ ዕንቅፋት ምምሕዳር ዋሽንግቶን ካብ ፈጽሚ ተዓጊቱ፡ እቲ “ቅልውላው” ክሳብ ሕጂ ተንጠልጢሉ ንህዝብታት ዞባና ጀሆ ሒዙዎም ይርከብ።

እዚ ብሕጊ ዝተወድአ ጉዳይ’ዚ፡ ኣብ ምሕደራ ቅልውላው ብቐጻልነት ከም ረቛሒ ኬገልግል ስለዝተደልየ፡ ንድሕሪት ናብ ዘተ (ዳያሎግ) ጎቲትካ ንምህውታቱ ዝተኻየደ ከንታዊ ሃቐነታት፡ ነቲ ጉዳይ ንምጉሳይን ንምዕብላዂን ዝተራእየ ኣሽካዕላላት፡ መርኣያ፡ ናይቲ ትግባረ ብይን ቀቲልካ፡ ዞባና ኣብ ቀዋሚ ቅልዋላው ዝነብረሉ ኩነት ንምፍጣር ኪካየድ ዝጸንሐ ቅሉዕ ናይ ምድንጋር ጸወታታት እዩ። እዚ ተግባራት’ዚ ብዝኾነ ምኡዝ ቃላትን ዲፕሎማሲያዊ ብልሓትን ይሰነ፡ ብዘይካ ምርጋጽ ግዝኣተ-ሕጊ ካልእ ትርጉም ዝወሃቦ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ሕጋዊ ምጉት ተኻይዱ፡ ብኡ መሰረት ፍርዳዊ ውሳነ እንተድኣ ተዋሂቡ፡ ስዒቡ ዝመጽእ፡ ኩሉ ዝፈልጦ፡ እንኮን ንጹርን እዩ። ፈጽሚ ውሳነ። ካልእ መተኣላለዪ ሽርጓና የለን። ነዚ ቀያዲን ናይ መወዳእታን ውሳነ ክኸውን፡ ሰብ ጉዳይን ኣውሓስቲን ክታሞም ዘንበርሉ ስምምዕን ብኡ መሰረት ዝተዋህበ ፍርዳዊ ውሳነን ዘይምትግባር፡ ብዘዕግብ መገዲ ከመኽንየሉ ዝኽእል ሕጋዊ ወይ ፖለቲካዊ ምስምስ የለን።


ቃላት ኣመቂርካ፡ ምድንጋር ንምፍጣር፡ ዝምድና ናብ ንቡር ምምላስ’ዶ ምትእምማን ምንዳቕ ዝብል ናይ ኣርያም ሰማያት ቃና ዝሓዘ ጻውዒታት እውን ብተደጋጋሚ ክጋዋሕ ይስማዕ እዩ። ጥዑይ ዝምድናን ምትእምማንን ግን፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ግዝኣተ ሕጊ እምበር፡ ግዝኣተ ሕጊ ተረጊጹ፡ ልኡላዊ መሬት ሃገር ተወሪሩ እንከሎ ክፍጠር ዝኽእል ኣይኮነን። ደጋጊሙ ከምእተነጸረ፡ ዝምድና ናብ ንቡር ክምለስ ብዘይካ ነቲ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝተወረ መሬት ምልቃቕ፡ ብወገን ኤርትራ ካልእ ዝኾነ ይኹን ዝጥለብ ቅድመ-ኩነት የለን። ሓደን ቀዋምን መርገጺ ኤርትራ፡ ዝተዋህበ ውሳነ ይከበር ዝብል እዩ። ንዕኡ ጎሲኻ ዝግበር ካልእ ምውስዋሳት ግን፡ ሰረገላ ቅድሚ ፈረስ ኣቐሚጥካ ክትምርሽ ምህቃን ጥራይ እዩ። ስለዚ ናብ ካልእ ምዕራፍ ንምስጋር፡ ቅድም ቀዳድም፡ ውሳነ ቤት ፍርዲ ፈጽሚ ረኺቡ፡ ጠንቂ ዘይምርግጋእ ኮይኑ ዘሎ ዓመጽ ክእረም ይግባእ።

ፈጽሚ ፍርዳዊ ውሳነ ኣብ ምስግዳድ፡ ሕቡራት ሃገራት ኮነ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ኣውሓስቲ ስምምዕ ኣልጀርስን ክጻወትዎ ዝግባእ ወሳኒ እጃም ነይሩ እዩ። የግዳስ፡ ንብዙሕ ምኽንያታት፡ ኣውራ ብጸቕጢ ዋሽንግቶን፡ ግዝኣተ ሕጊ ንምኽባር ዝኣተውዎ መብጽዓ ከተግብሩን ዝተሰክምዎ ሓላፍነት ክፍጽሙን ኣይከኣሉን። ግዴታኦም ብዘይምልዓሎም፡ ኣብ ህዝብታት ዞባና ዝወረደ ሃስያ ድማ ብቐሊል ዝግመት ኣይነበረን። ሕጂ’ውን ዝኾነ ዞባዊ ይኹን ዓለማዊ ውድብ፡ ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ህዝብታት፡ ዕቱብ ተገዳስነት እንተድኣ ሃልዩዎ፡ ዝተወድአ ጉዳይ ከም ብሓድሽ ኣብ ክንዲ ምልዓል፡ ጉዳያት ደባሊቕካ ክንዲ ምሕማስ፡ ብተባዕ ድምጺ፡ ወራር ልኡላዊ መሬት ብምኹናን፡ እቲ ናይ መወዳእታን ቀያድን ፍርዳዊ ውሳነ ፈጽሚ ክረክብ ክጽውዕ ይግባእ።